ማዕርነት ኣብ ብዙሕነት (Equality in Diversity)

ማዕርነት ኣብ ብዙሕነት (Equality in Diversity)

መእተዊ

ቀንዲ መምዘኒ ምዕባለ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ፤ ኣብ ማዕርነትን ብዙሕነትን ናይ ሕዝብታት ብዘለዎም ርድኢትን ምሕድራኡን ዝተመርኰሰ ኡዩ። ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ኩሉሰብ ብዘይ ናይ ዓሌትን ሃይማኖትን ጾታን ኣካላዊ ብቅዓትን ምሁርን ዘይምሁርን ድኻን ሃብታምን ከይፈላለኻ ማዕረ ሰብኣዊ መሰል ከምዘለዎ ብመትከል ዘይኣምን ሕብረተሰብ ምዕቡል ወይ ከኣ ስልጡን ሕብረተሰብ ኢዩ ክትብሎ ኣጸጋሚ እዩ።

ኣብ ዝቅጽል ገጻት ማዕርነት ኣብ ብዙሕነት (Equality in Diversity) ብዝብል ኣርእስቲ፤ ማዕረነት ኣብ ብዙሕነት  እንታይ ማልት እዩ ?  ከመይ ገርናኸ ክነማሓድሮ ይግባእ ብዝብል ሓሳብ ኣገደስቲ እንብሎም ኣሞ ኸኣ ክንፈልጦምን ክነኽብሮምን ዘሎና ነገራት ኣሕጽር ኣቢልና ክንርኢ ኢና።

ብፍላይ ኣብ ደቂ ሰባት ብዙሕነት (Diversity) ዘስዕቡ ቀንዲ ነገራት እዞም ዝስዕቡ ኢያቶም። ጾታዊ ፍልልይ(ተባዕታይ ወይ ኣንስታይ)፤ ናይ ዕድመ ፍልልይ(ዓቢይ ወይ ንሽቶን)፤ ኣካላዊ ብቅዓት (ስንኩልን ዘይስንኩልን)፤ ዘርኣዊ/ዓለታዊ ፍልልይ( ጸሊም ወይ ጻዕዳ)፤ ሃይማኖታዊ ፍልልይ፤ኣነባብራዊ ፍልልያት (ምርዕውን ዘይምርዕውን)፤ባህላዊ ፍልልያት፤  ድሕረባይታዊ ፍልልያት(ደረጃ ትምህርቲ)፤ ናይ ቋንቋ  ፍልልያት፤ ካልኦት  ኣብዚ ዘይጠቀስናዮም ኣብ ውሽጢ ደቂ ሰባት ብዙሕነት ዘስዕቡ ብዙሓት ነገራት ከምዘለዉ ርዱእ ኮይኑ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተቀስናዮም እቶም ቀንዲ እዮም።   ይኩን እንበር እዞም ዝጠቅስናዮም ኩነታት ወይ ነገራት ኣብ መንጎ ደቂሰባት ብዙሕነት ዝፈጥሩ  እኳ እንተኾኑ፤ ንኩላቶም  ደቂ ሰባት ሓደ ወይ ማዕረ ዝገብሮም ሓድ ነገር ግን ኣሎ።  ነዚ ሓደ ወይ ማዕረ ዝገብሮም ነገር ወይ ኩነት ሰብኣውነት ንብሎ። ኩላትና ደቂሰባት፤ ፍልልያትና ወይ ብዙሕነትና ብዘይገድስ ደቂ ሰብ ብምዃና ጥራሕ ማዕረ ኢና። ምስ ኩሉ ፍልልያትና ደቂሰብ ጥራሕ ብምዃን ማዕረ ኢና (Equality in Diversity)። ብዙሕነትና ወይ ውልቃዊ ኩነትና ብዘይገድስ ማዕረ ሰባት ኢና። ኣብቲ ሰብኣውነት ዝበልናዮ ኣምር ኩላትና ብማዕረ ንሳተፍ። ንኹላትና ከኣ ማዕረ ሰብኣዊ መሰል ኣሎና።  ቀድሚ ሰብኣዊ መሰል ምግላጽና ነዞም ኣብ ደቂሰባት ብዙሕነት ዘምጽኡ ነገራት በብሓደ ኣሕጽር ኣቢልና ክንገልጾም ኢና፡

ምስ ኩሉ ፍልልያትና ደቂሰብ ጥራሕ ብምዃን ማዕረ ኢና (Equality in Diversity)። ብዙሕነትና ወይ ውልቃዊ ኩነትና ብዘይገድስ ማዕረ ሰባት ኢና። ኣብቲ ሰብኣውነት ዝበልናዮ ኣምር ኩላትና ብማዕረ ንሳተፍ። ንኹላትና ከኣ ማዕረ ሰብኣዊ መሰል ኣሎና።

ጾታዊ ፍልልይ (Gender difference)

ሰባት ብተፈጥሮ ተባዕታይ ወይ ኣንስታይ ኮይኖም ይፍጠሩ። ተባዕታይ ካብ ኣንስታይ ዝፈልዮ ኣካላዊ ወይ ባህርያዊ ፍልልያት ኣለዎም። ኣብ ዝተፈላለየ ሕብረተሰባት  ከኣ ብሰንኪ እዚ ባህርያዊ ፍልልይ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝወረደ በደልን ግፍዕን ዓመጽን፤ ክሳብ ሕጂ` ውን ዝወርድ ዘሎን ማእለያ የብሉን። ንኣብነት ደቂንስትዮ ኣብ ገዛ ተሓጺረን ኣብ ናይ ውሽጢ ገዛ ስራሕ ጥራሕ ክሰርሓ  ክግደዳ እንከልዋ፤ ደቂተባዕትዮ ናይ ደገ  ስራሕ ይሰርሑ ነበሩ። እንተኾነ ሰብኡት ኣብ ደቂኣንስትዮ ልዕልና እናኣርኣዩ ሙሉእ ቁጽጽር ናይታስድራ  ነርዎም። እዚ ነገራት ግና ብጊዜ እናተቀየረ ይመጽእ ኣሎ። ኣብዚ በጺሕናዮ ዘሎና ዘመን ናይ ስራሕ ፍልልያት ዳርጋ የለን ክትብል ትኽእል።

እንተኾነ  ብሰንኪ ጾታዊ ፍልልይ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዝወርድ ግፍዕታት ሕጂ` ውን እንተኾነ ማእለያ የብሉን። ንኣብነት ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ደቂተባዕትዮ ኣናሰርሓ ከለዋ ማዕረ ደሞዝ ኣይቅበላን። ማዕረ ደቂተባዕትዮ ድምጺ የብለንን።  ማዕረ ደቂተባዕትዮ ናጽነት ናይ ምንቅስቃስ የብለንን። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ማዕረ ደቂተባዕትዮ ናይ ትምህርቲ ዕድላትውን የብለንን።  እንተኾነ ኣንስታይ ወይ ተባዕታይ ብምዃን ኣድልዎ ኪግበር ብፍጹም ኣይግበእን። ኣብ ጾታዊ ፍልልይ ተመርኲስካ ዝግበር ዝኾነ ኣድልዎ ሰብኣዊ መሰል ምግሃስ ኣዩ ዝቁጸር። ስለዚ  ኩላትና ሰባት  ሰለዝኾና ብማዕረ መሰልን ግቡእነት ኣሎና። ብሰንኪ ጾታዊ ፍልልይ ዝመጽእ ኣድልዎ ካብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ክውገድ ይግባእ።

ናይ ዕድመ ፍልልይ (Age difference)

ሰባት ብዕድመ ኪፈላለዩ ይኽእሉ። ብዕድመ ምፍልላይ ከኣ ብዙሕነት (diversity) ካብዝፈጥር ሓደ ኩነት እዩ።  እዚ ማለት ንኣሽቱ ቈልዑ፤ መንእሰያት፤ መኣከላይ ዕድመ፤ ካብዚ ሓሊፍካ ከኣ ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግሌታት ኢልና ንፈላልዮም። እዞም ሰባት ነናቶም ግድነታትን ድልየታትን ክህልዎም ባህርያዊ እዩ።  ከከምግድነቶም ከኣ ድልየታቶም ክማለኣሎም ይግባእ። ብዕድመ ምኽንያት ካብ ካልኦት ፍልይ ዝበለ ክንክን ወይ ጉንዖ ክትረክብ ተፈጥሮኣዊ ኪኸውን ይኽእል።   ንኣብነት ሕጻናት ብጽቡቅ ኪዓብዩ ፍሉይ ክንክን ብወለዶም ኪረኽቡ ይግባእ። ከማኡ’ውን ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ኣብ ኩሉ ሕብረተሰብ ፍሉይ ቦታ ኣለዎም።  ኣብ ሽንግልና ምስ በጽሑ ከኣ ብደቆም ዝግባእ ክንክን ኪረኽቡ ግድን እዩ። እንተኾነ ብሰንኪ ናይ ዕድመ ፍልልይ ሰብኣዊ መሰልካ ክግፈፍ ብጹም ኣይግባእን። ንኣብነት ኪሰርሕ ዝኽእል ሰብ ብሰንኪ ዕድሜኡ ስራሕ ኪኽላእ ኣይግባእን።  ስለዚ ከከም ግድነትና ዓቢና ንእሽቶና ማዕረ ሰብኣዊ መሰል ኣሎና። ብሰንኪ ናይ ዕድመ ፍልልይ ዝኾነ ሰብ ኪውገን ወይ ሰብኣዊ መሰሉ ኪግፈፍ ወይ ኪግፋዕ ኣይግበእን።

ስንክልና (Disability)

ሓደ ስንክልና ኣካላት ዘሎዎ ሰብ ካብ ካልእ ስንክልና ዘይብሉ ሰብ ብምኽናያት ስንክልናኡ ኪፈለ ይኽእል። ብዘይካ ኣካላዊ ስንክልና( physical disability)ካብ ካልእ ሰብ ዝፈልዮ ነገር የለን። ኣካላዊ ይኹን ኣእምሮኣዊ ስንክልና ዘለዎ ሰብ ግና ብሰንኪ ስንክልናኡ ካብ ካልኦት ሰባት ትሒቱ ክረኤ ኣይግባእን። ስንክልና ዘለዎም ሰባት ከኣ ከም ካልኦት ሰባት ብማዕረ ኪጥመቱ ሰብኣዊ መሰሎም ኪሕልወሎም ይግባእ። ብፍላይ ብሰንኪ ስንክልናኦም ዝበጽሖም በደላት ንምእላይን ምሉእ ሰብኣዊ መሰሎም ኪሕልወሎምን ዝግባእ ክንክን ሓገዝን ኪቅበሉን ናይ ዝነብሩሉ ሕብረተሰብን መንግስትን ሓላፍነት ይኸውን።

ዓሌት( Ethnicity)

ሓደ ሰብ ካብ ክልእ ሰብ ብዓሌቱ  ወይ ብመበቆሉ ወይ ብሕብሪ ቆርበቱ (ብሓፈሻ ጸሊም ወይ ጻዕዳ) ብምዃን ኪፈለ ይእኽል።  እዚ እቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሕብረተሰብ ብዙሕነት ካብ ዘምጽእ ቀንዲ ነገር እዩ።  ኣብ ሓንቲ ሃገር ወይ ከባቢ ዝተፈላለየ ዘርኢ ወይ መበቆል ዘለዎም ሰባት ኪህልዉ ባህርያውን ናይ ግድንን እዩ። ከምቲ ኣብ ሓደ ጫካ ወይ በረኻ ዝተፈለዩ ዓይነት ኣግራብን ሳዕርን ዕንባብን ዝበቊል ከማኡ ከኣ ኣብ ሓደ ከባቢ ወይ ሃገር ዝተፈላለየ ዓሌት ወይ መበቆል ዘለዎ ሰባት ኪህሉዉ ናይ ግድን ኣዩ። እዞም ዝተፈላለየ ዘርኢ ወይ መበቆል ዘለዎም ሰባት ነናቶም ቋንቋታትን ባህልን ኪህልዎም ይኽእል።   ኣብ ሓንቲ ሃገር ብዙሓት ብሄራት ክህልዉ ይኽእሉ። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ እንተወሓደ ትሽዓተ ቋንቋታት ዝዛረቡ ብሄራት ኣለዉ። ወላእኳ ዝተፈላለየ መበቆልን ቋንቋን ኣንተለዎም ሓደ ዝገብሮም ኣብ ሓንቲ ሃገር ምንባሮም ጥራሕ ዘይኮነስ ደቂ ሰባት ስለዝኾኑ ኩላቶም  ማዕረ ሰብኣዊ መሰልን ግቡእነትን ኣለዎም። ዝኾነ ሰብ ከኣ ብሰንኪ መበቆሉ ወይ ዓሌቱ ወይ ብዝዛረቦ ቋንቋ ኪውገን ኣይግበእን።  ብማዕረ ክርኤን ብማዕረ ክነብርን ኪመሃርን ክሰርሕን ከገልግልን ይግባእ። ነፍሲወከፍ ዓሌት ብመንነቱ ተሓቢኑ መሉእ ነፍሰ-ተኣማንነት ኣሕዲሩ ኣብ ዝነብረላ ሃገር ወይ ከባቢ ሙሉእ ሰብኣዊ መሰሉ ተሓሊዩሉ ባህሉን ቋንቁኡን ከማዕብልን ክዕቅብን ምሉእ ናጽነት ኪህልዎ ይግባእ። ዝኾነ ዓሌት ወይ ብሄር ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብሄራት ቁጽሮም ብዘይገድስ ዝኾነ ይኹን ተጽዕኖን ልዕልናን ከርኢ እንከሎ ሰብኣዊ መሰል ናይ ካልኦት ይግህስ ኣሎ ማለት እዩ።

ስለዝኾነ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝነብሩ ሰባት ወይ ብሔራት ብናጽነትን ብርድኢትን ቋንቋታቶምን ባህልታቶምን መንነቶምን ከማዕብሉ ማዕረ ዕድልን ሓገዝን ምትብባዕን ምስ ዝረኽቡ ብዙሕነቶምን መንነቶምን ኣቂቦም ብዘይዝኾነ ጸገም ብሓድነት ኣብ ናይ ምዕባሌን ሰላምን ጐደና ክምርሹ ከምዝኽእሉ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ማዕረነት ኣብ ብዙሕነት ( Equality in diversity) ኪረጋገጽ ዝኽእል ከኣ ንሰባት ናጽነት ብምሃብን ሰብኣዊ መሰሎም ኪሕሎ ውሑስ ባይታ ብምፍጣርን ጥራሕ እዩ። ኩሎም ነኣሽቱ ብሄራት(Ethnic minorities) ባህሎምን መንነቶምን ኪዕቅቡን ከማዕብሉን ሰብኣዊ መሰሎም ኪሕልወሎም ኪቃለሱን ሓርኮትኮት ክብሉን ከለዉ ፤ በቲ ዝበዝሔ  ሕብረተሰብ  ኮነ ብምንግስቲ ደረጃ ዓቢይ ኣተኩሮን ሓገዝን ክግበረሎም ይግባእ።  እዚ ከኣ ውጽኢት ምሕላው ሰብኣዊ መሰልን ግዴታ ስለዝኾነ እዩ።  ስለዚ ንኣሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ ብሔራት (Majority & minority ethnic groups) ብማዕረ መዕቀኒ መንነቶምን፤ ባህሎምን፤ ቋንቋታቶምን፤ ውርሻታቶምን ከማዕብሉን ኪዕቅቡን ማዕረ ዕድል ንምጣር ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ሓላፍነትን ግቡእን እዩ።

ሃይማኖት(Religion)

ሰባት ብዝኸተልዎ እምነት  ወይ ሃይማኖት ኪፈላለዩ ይኽእሉ።  እዚ ከኣ ብዙሕነት ካብ ዘምጽኡ ሓደ ነገር እዩ።  ኣብ ዓለምና ብኣሽሓት ዝቁጸሩ እምነታት ኣለዉ።  ሰብ ዝደለዮ እምነት ኪኽተል ወይ ክቅበል ኪስገር ዘይከኣል ሰብኣውን ባህርያውን መሰሉ ኣዩ።  እዚ መሰል እዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከይጠሓስ ብሕጊ ውሑስን ሕልውን እዩ።   ኣብ ዓለምና ሓደ ዝመበቆሎም፤ ሓደ ዝቋንቈኦም ሰባት ብድልየቶም ዝተፈላለየ እምነት ዝኽተሉ ኣለዉ። ብዘይካ ዝተፈለየ እምነት ወይ ሃይማኖት ምኽታል ካልእ ዝኾነ ነገር ዘይፈልዮምውን ኣለዉ። እዞም ሰባት ናይ እምነት ፍልልያቶም ብዘይገድስ ንዘመናት ብሰላምን ብፍቅርን ሕድሕድ ብምክብባርን ምትሕግጋዝን ይነብሩ።

እንተኾነ ብሰንኪ ናይ እምነት ፍልልይ እንተዘይኮይኑ ካልእ ገበን ዘይብሎም ሰባት፤ ሰብኣዊ መሰሎምን ክብረቶምን ተገፊፉ፤ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኪዳጐኑ እቲ ዝዓበየ ገበን እዩ። ብስም እምነት ኣብ ልዕሊ ደቂሰባት ዝወርድ ግፍዕን በደልን ክሳብ ዘሎናዮ ዘመን ዝፍጸም ዘሎ  ማእለያ የብሉን።  ፍልልይ ናይ እምነት ግን ምኽንያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኪኸውን ብፍጹም ኣይግባእን። ዝተፈላለዩ እምነታት ዝኽተሉ ሰባት ብሓባር ብሰላም ብፍቅርን ኪነብሩ ዝዓግቶም ዝኾነ ነገር የሎን። ንኣብነት  ሕብረተሰብ ብሄረ ብሌን ንክልቲኡ ሃይማኖታት ክርስትናን ምስልምናን ብዝስዕቡ ዝቆመ ኣዩ።  ኣሕዋት ወይ ስድራቤታት ብደምን ዓጽምን ዝተዛመዱ ካብ ሓደ ገዛ ወይ ፈራዕ ዝመበቆሎም ገሊኦም ክርስቲያን ገሊኦም እስላም ኮይኖም እሞ ከእ ከም ጸባን ማይን ብሕውነትን ብሓድነትን ብሓደ ኪነብሩን ኪማኸሩን ክትርኢ ከሎኻ ካብዚ ዝዓቢ ጽቡቅ ነገር የሎን ክትብል ትደፍር።  ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ብዙሓት ሃገራት ናይ ሃይማኖት ፍልልይ ብዘይገድስ ብሰላምን ብፍቅርን ንኩሎም ዜጋታቶም ማዕረ ዕድል ንኹሉ እናፈጠሩ ይነብሩ ኣለዉ።

መርዓ (Marriage)

ብሓፈሻ መርዓ ኪበሃል ከሎ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ብሓደ ኪነብሩ ብሕጋዊ ወይ ብሃይማኖታዊ መንገዲ ውዕል ኪኣትዉ እንከለዉ እዩ።  ሰባት ምርዑዋት ወይ ዘይምርዑዋት ኮይኖም ኪነብሩ ይኽእሉ። ዝተመርዓወን ዘይተመርዓወን ማዕረ ዕድል ኪህልዎም ይግባእ። እንተኾነ መርዓ ሓደ ካብ ብዙሕነት ካብ ዝፈጥር ኩነት ናይ ደቂ ሰባት እዩ። እዚ ከኣ ባህርያዊ ትዕድልቲ እዩ። እንተኾነ ሰባት ብሰንኪ ኩነት ኣነባብራኦም ክግፍዑ እንከለዉ ወይ ከኣ ካብ  ድልየቶም ክዕገቱ ኣይግባእን።  ብሰንኪ መርዓ፤ሰባት ካብ ሰብኣዊ መሰሎም ክዕገቱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ልሙድ እዩ። ንኣብነት ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ስለተመርዓወት  ካብ ትገብሮ ዝነበረት ስራሕ ወይ ትምህርቲ ክትባረር ኣይግባእን። ብሰንኪ መርዓ ሰባት ሰብኣዊ መሰሎም ክንፈጉ የብሎምን።

ባህላዊ ብዙሕነት (Cultural diversity)

ኣብ ዓለም ዘሎ ዝኾነ ይኹን ሰብ ዝተፈልየ እዩ። ዝኾነ ሰብ ፍሉይ ሰብ እዩ። ማንም ሰብ ናይ ሓደ ሰብ ቅዳሕ ኣይኮነን።  ሓደ ሰብ ናይ ካልእ ቅዳሕ ኪኸውን እንተደለየ እውን ኪኸውን ኣይኽእልን።  እዚ ውህበት ናይ ተፈጥሮ እዩ። እዞም ሰባት ኣብ ሓደ ከባቢ ወይ ዓዲ ወይ ሃገር ዝነብሩ ሰባት ከኣ ድሕሪ ብዙሕ ዘመናት  ናቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ዝኾነ ባህርይን ኣተሓሳስባን ኣረኣያን  ኣጥርዮም ናቶም ዝኾነ ባህልን ልምድን ውርሻን ከጥርዩ ብተፍጥሮ ዝተዓደሎም ጸጋ ብምዃኑ፤ ማንም ፍጡር ከሕድጎም ዘይግባእ መሰል ናይ ደቂሰባት እዩ። እዚ ተፈጥሮኣዊ ፍሉይነት ናይ ባህልን ልምድን ከኣ ኣብ ደቂ ሰባት ባህላዊ ብዙሕነት(Cultural diversity) እንብሎ ኩነት ይፈጥር።  በዚ ምኽንያት ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ  ባህሊ፤ ዝተፈላለየ ቋንቋ፤ ዝተፈላለየ ኣገባብ ኣነባብራ፤ ዝተፈልየ ኣተራጓጉማ ናይ ነገራት ከጥርዩ ይኽእሉ።  ንኣብነት ኣገባብ መርዓ ኣብ ኤርትራ ካብ ኣገባብ መርዓ ሕብረተሰብ ደቡብ ሱዳን ክፍለ እኽእል።  ከምኡ` ውን ሓደ ነገር ብዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈልየ ትርጓሜ ክህልዎ ይኽእል። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ባህሊ ወይ ልምዲ ካብ ናይ ካልኦት ባህልታት ወይ ልምድታት በሊጹ ክረኤ ወይ ልዕልና ኣለዎ ኢልካ ምሕሳብ ካብ ድሑርነት ሓሊፉ ትርጉም የብሉን።  ኣብ ኩሉ ሕብረተሰብ ጎዳኢ ልምዲ ወይ ባህሊ ኪህሉ ይኽእል። እዚ በቲ ዋናታት ናይቲ ባህሊ ኪእረም ይግባእ። ካብዚ ሓሊፉ ኩሎም ባህልታትን ልምድታትን ብማዕረነት ኪምዕበሉን ኪሕገዙን ይግባእ።

ኣብዚ ኣገላልጻ ሓደ መሰረታትዊ ብዕምቆት ክንርድኦ ዝግባእ ኣምር ኣሎ።  እዚ ኸኣ ንሰባት ሓደ ዝገበሮምን ዝፈልዮምን  ነገራት ፈላኒና ብዕምቆት ክንርድኦምን  ክንቅበሎምን ይግባ ። ነቶም ዝፈላልዩና ነገራትን ካብቲ ሓደ ዝገብረና ነገር (ሰብኣውነት) ፈሊና እንተዘይርኢናዮም ኣብ ጸገም ክንወድቅ ንኽእል።

ሰብኣውነት

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮም ብዙሓት ወይ ዝተፈላለዩ ሰባት ሓደ ወይ ማዕረ ዝገብሮም ወይ ሓደ ካብ ሓደ ከምዘይበልጽ ዘረጋግጽ ሓደ ነገር ኣሎ። ነዚ ሓደ ዝገብሮም ነገር ከኣ ‘ሰብኣውነት’ ወይ ከኣ (Humanity) ንብሎ። በዚ ምኽንያት ከኣ ሓደ ሰብ ካብ ካልእ ሰብ ኣይበልጽን፤ ኩሉ ሰብ ሰብ ብምዃኑ ጥራሕ ማዕረ ካልኦት ሰባት እዩ።  ኩላትና ሰባት ስለዝኾኑ ማዕረ ኢና።  በዚ ምኽንያት ከኣ ሰባት ኣብ ዝኸድዎ ከይዶም ሰብኣዊ መሰሎምን ማዕርነቶምን  ኪሕሎ ዝግባእ። ኩሎም ኣብ ዓለም ዝርከቡ ሰባት ብዙሓት ክነሶም ብሰንኪ ኣብ ሓደ ሰብኣውነት ስለዝጽንበሩ፤ ማዕርነት ኣብ ብዙሕነት ዝኾነ ኩነት ይፈጥሩ። ስለዚ ማዕርነት ኣብ ብዙሕነት ዘይተርፍ ነገር እዩ።

ኣብዚ ኣገላልጻ ሓደ መሰረታትዊ ብዕምቆት ክንርድኦ ዝግባእ ኣምር ኣሎ።  እዚ ኸኣ ንሰባት ሓደ ዝገበሮምን ዝፈልዮምን  ነገራት ፈላኒና ብዕምቆት ክንርድኦምን  ክንቅበሎምን ይግባ ። ነቶም ዝፈላልዩና ነገራትን ካብቲ ሓደ ዝገብረና ነገር (ሰብኣውነት) ፈሊና እንተዘይርኢናዮም ኣብ ጸገም ክንወድቅ ንኽእል።

እዚ ማለት ድልየታትን ግድነታትን መሰላትን ናይ ሓደ ኣካለሰንኩል ምሰ ሓደ ስንክልና ዘይብሉ ሰብ ሓደ ኣይኮነንን።  ንሓደ ኣካለሰንኩል ዘድልዩ ነገራት ነቲ ሓደ ስንክልና ዘይብሉ ከይድልዮ ይኽእል። ድልየታትን ግድነታትን ናይ መንእሰያትን ናይ ዝሸምገሉን ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል።  ደቂንስትዮን ደቂተባዕትዮን ግድነታቶም ስለዝፈላለ፤ ዝተፈላለዩ ቀረብ ኣገልግሎታት የድልዮም ይኸውን።

ስለዚ ኩሉ ሰብ ግድነታቱ ተማሊእሉ፤ ኩሉ ሰብ መሰርታትዊ ሰብኣዊ መሰሉ ተኸቢሩሉ፤ ተሓጒሱ ኪነብር ዝግበር ቃልሲ መወዳእታ የብሉን።  ነዚ ቃልሲ`ዚ ምሉእ ብሙልእ ተዓዊተሉ እየ ዝብል ሕብረተሰብ ወይ ሃገር`ውን ክሳብ ሕጂ የለን።  ነዚ ዓወት ንምጭባጥ ዝተፈላለዩ ሕዝብታት ወይ ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ምዕባለ ደረጃ ይርከባ።  እዚ ዓወትዚ ማለት ኩሉ ሰብ  መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰሉ ተኸቢሩሉ ዝነብረሉ ህሞት ብወዝቢ ወይ ብቀሊሉ ዝመጽእ ኩነት ኣይኮነን። ናይ ብሓቂ እቲ ዓቢ ቃልስን መስዋእትን ከምዘድልዮ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ስለዚ ከምቲ ብዙሕነትና መጠን ብኣኡ መጠን ከኣ ድልየታትና ኪበዝሕ ይኽእል። ኩላትና ከኣ ኩሉ ግድነታትና ኪማላእ ዕድል ኪወሃበና እንከሎ ሰብኣዊ መሰልና ተሓልዩልና ኪንብል ንኽእል።

ብፍላይ ኣብዘሎናዮ እዋን ናይ  ሰባት ሰብኣዊ መሰላትን ማዕርነትን ካብ ኩሉ ከኣ እቲ ዝተበጽሐ ዝምስል ዝነበረ ዓወታት ኣብ ሓዲሽ ሓደጋ ዝወድቕ ዘሎ ይመስል። እዚ ከኣ  ብዙሓት ነገራት ብቅልጡፍ እናተቀየሩ ሓደሽቲ ነገራት እናመጹ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን፤ ማዕረ ማዕሪኡ ናይ ነፍሲ ወክፍና ግድነታትን ድልየታትን ኪዛይድ ይኽእል።  ሰብኣዊ መሰረታዊ መሰላትን ማዕርነትን ንምርግጋጽ ዝውሰዱ ስጉምታት ምስቲ ዝመጽእ ዘሎ ለውጥታት ኣይዛመድን። ኣብዚ ዘሎናዩ ዘመን ነቶም ጎሊሖም ዝረኣየኡ ለውጥታት እስኪ ንመልከት፥

  1. ኣብዚ እዋን ቀደም ዘይረኣዩ ዝነበሩ ኣብዚ እዋን ግን ጎሊሖም ሰሲኖም ካብቲ ዝነበርዎ ትሑት ቁጽሪ ወይ ተሳታፍነት ዛይዶም ይረኣዩ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ትካል ቀደም ብጸዓዱ ጥራሕ ተባሒቱ ዝነበረ ሕጂ ምስኦም ዝወዳደሩ ጸለምቲ ብብዝሒ ይረኣዩ።  ብዙሕነት ሰራሕተኛታት (ጸዓዱ፤ጸለምቲ፤ደቂኣንስትዩ፤ ስደተኛታ. . .)ዝተፈላለዩ (Diverse) ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ኣብ ሓደ ትካል ክትረክብ ንቡር ኣናኾነ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ብዝሒ ቋንቋን ባህልን ኣብ ሓደ ትካል ይፈጥር። ንኹሎም ኣሰማሚዕካ ክትከይድ ሓዲሽ ብድሆ ኪኸውን ይኽእል።
  2. ዓብላሊ ኣተሓሳስባ ዝነበረ ሕጂ ብሓድሽ ኣተሓሳስባ ክብዳህ ይረኤ ኣሎ።
  3.  ቅልውላው መንነትን እምነትን ብሰንኪ ዓለምለኻዊ ኣተሓሳስባ (Globalization) ይፍጠር ኣሎ።
  4. ቅርጺ ልምዳዊት ስድራቤት ሓዲሽ ቅርጺ እናሓዘ ምምጻእ። ንኣብነት፡ኣቦን ኣደን ሙሉእ ጊዜኦም ኣብ ስራሕ(ሓሓንሳብ ክልተ ዝተፈላለዩ ስራሕ ምሓዝ) ልሙድ እናኾነ ደቆም ብገንዘብ ብተቆጽሩ ሰባት ዝናበዩሉ ኩነት።
  5. ሓዲሽ ሕግታት ናይ መርዓ፤ ምውሳኽ ብዝሒ ስደተኛታት፤ ሓዲሽ ተክኖሎጂ(ብፍላይ ኣብ ጊዜ ዕጽዋ ኮሮና ቫይረስ ከምዝተራእየ)። እዚ ሓዲሽ ተክኖሎጂ ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ዘይምቅራብ።
  6. ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባን ኣመራርሓን፤ ከማኡውን ዝተፈላለየ ኣገባብ ናይ ስራሕ ብፍጥነት እናመጸ ምኻዱ።

እዚ ኩሉ ልውጥታት ማዕረነትን ሰብኣዊ መሰል ደቂሰባትን ንምርግጋጽ ንዝገበር ቃልሲ ሓዲሽ ጸቅጢ ይፈጥረሉ። ስለዚ ዝተፈላለዩ ኣረኣይያታት፤ ዝተፈላለየ ባህልን ልምድን ዘልዎም ሰባት፤ ዝተፈላለዩ ናይ ተክኖሎጂን ናይ ርክብ(communication) ሜላታት ተጠቂምካ ንኹሉ ብማዕረ እናገልግልካ ክትከይድ ግድን ይኸውን።  ደቂሰባት ብተፈጥሮኦም ኩሎም ከም ስሕበት መሬት ናብ ባህሎምን መበቆላዊ መንነቶምን ተሳሒቦም ኪኸዱ ግድን እዩ። እንተኾነ ሰባት ኣብ ሕሉፍ እሞ ኸኣ ጎዳኢ ዝኾኑ ነገራት ተቈሪኖም ኪነብሩ  የብሎምን።  ብፍላይ ካብ ሕሉፍ ጐዳኢ ኣተሓሳስባን ተግባርን ሓራ ወይ ነጻ ምዃን ኣድላዩ እዩ።  እቲ ዓቢ ግድል ናይ ሕሉፍ ጽቡቅ ነገራት እናወረስካን እናማዕበልካን ምስ ሓደሽቲ ነገራት እናኣሰናኻ ሚዛኑ ብዝሓለወ ኣገባብ ኪግስጋሰ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ንምርግጋጽ ዓብይ ጻዕር ምግባር የድሊ። ኩሎም ዓሌታት ወይ ብሄራት ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ከኣ ሕሉፍ ታሪኾም ገምጊሞም ጽቡቅ ባህልን ውርሻን በብዝጥዕሞም መንገዲ ኪዕቅቡን ከማዕብሉን ሙሉእ ሰብኣዊ መሰል ኣለዎም።

እንተኾነ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሓደ ባህሊ ወይ ኣተሓሳስባ ኪዕንብብ ዝለዓለ ዕድል ይወሃብ። እቶም ካልኦት ባህልታት ከኣ ከምዝድቆሱ ይግበር፤ ወይ ማዕረ ዕድል ኣይወሃቦምን።  እዚ ሰብኣዊ መሰል ናይ ካልኦት ምግሃስ ጥራሕ ዘይኮነ፤ ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ሓደ ብሄር ወይ ዓሌት ወይ ባህሊ ብዝኣምኑ ሰባት ጥራሕ ዝበሓት እንተኾነ ብዙሕ ኣፍራይነት ከይምዘይብሉ ብሳይንሳዊ መጽናዕትታት ዝተረጋገጸ ዘየካትዕ ሓቂ እዩ።፡ ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ውሽጡ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ናይ ስራሕ ልምድን፤ሃይማኖትን፤ባህልን፤ ቋንቋን፤ ዓሌትን እንተለዎ ማዕሪኡ ብኹሉ መዳይ  ሃብታም ዝኾነ ውርሻ ይህልዎ።  እዚ ሃብታም ዝኾነ ውርሻ ኩሉ በብመዳዩ ክምዕብል ምስ ዝጸዓርን ዝተባብዕን ከኣ ከም ውጽኢቱ ውሕስነቱ ዝተረጋገጸ ሃገራዊ ሓድነት ክጥጥዕን ኩሉ ሰብ ኣብታ ሃገር ዝነብር ብመንነቱ ተሓቢኑ ተሓጉሲ ዝነበርላ ሃገር  ናይ ምሕናጽ ዓቢይ ዕድል ይፈጥር።

ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ብዙሕነት ጽቡቅ እዩ ኪበሃል እንከሎ ፍልልያትና ምግፋሕ ይመስል ይኸውን። ብኣንጻሩ ብዙሕነት ጽቡቅ እዩ ኪበሃል ኣንከሎ ዘሎና ፍልልያት ተቀቢልና ኣብ ጽቡቅና ነውዕሎም ማለት እዩ።  እዚ ማለት እቲ ብዙሕነትና ዘምጽኦ ፍሉይነት ጥቅሚ ኣለዎ። ዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ክእለትን ጽባቄን ኣለዎም። ነዚ ዝተፈላለየ ክእለትን ውህበትን ከከምዝግበኦ ቦትኡ ሂብካ ሓደ ነቲ ሓደ ኪጸቅጥ ከይፈተነ ንኹሉ ማዕረ ዕድል ኣናሃብካ ከምዝምዕብል ምግባር እዩ። ሓደ ነገር ንኹሉ (one-size-fits-all) ዝበሃል ነገር የለን። ተኸባቢርካን ተሓጉስካን ክትነበር ንዝተፈላለየ ሓሳብን፤ ባህልን፤ ልምድን፤ ቋንቋን ዘለዎም ሰባት፤ መበቆላዊ መንነቶም ኣሚንካን ተቀቢልካን ኣኽቢርካን ምኻድ መሰረታትዊ ናይ ምዕባለን ሰብኣዊ መሰል ምኽበርን ሰረት እዩ። ነዚ ናይ ሰባት ብዙሕነትን መንነትን ኣኽቢርካን ሓሊኻን ምኻደ ከኣ ናይ ነፍስወከፍ ዜጋን ሓላፍነት ዝተሸከመ ኣካልን መንግስትን እዩ።

ሰባት ብማዕረ ወይ ብፍትሒ ይመሓደሩ ከምዘለዉ ዝስምዖም እንኮ መንገዲ መንነቶም ወይ መን ምዃኖም ብካልኦት ሰባት ካብኦም ብባህልን ብቋንቋን ብዓሌት ብዝፍለዩ ሰባት፤ ተቀባልነትን  ተፈላጥነትን ክብረትን ምስ ዝረኽቡ ጥራሕ እዩ።  ብኻል ኣዘራርባ ሓደ ሰብ ተባዕታይ ተባዕታይ-ብምዃኑ፤ ኣንስተይቲ ኣንስተይቲ-ብምዃና፤ ስንኩል ስንኩል-ብምኻኑ ጻዕዳ ጻዕዳ-ብምዃኑ፤ ጸሊም ጸሊም-ብዃኑ፤ ምሁር ምሁር-ብምዃኑ፤ ሓረስታይ ሓረስታይ-ብምዃኑ፤ ሰራሕተኛ ሰራሕተኛ-ብምዃኑ፤ ሓደ ካብ ሓደ ዘይበልጽ ኩላቶም ሰባት ምዃኖም ብመንነቶም ኮሪዕም ብማዕረ ክመሓደሩን ማዕረ ዕድል ክረኽቡን፤ ኩሎም ሰብኣዊ መሰሎም ኪሕሎ ምቹእ ባይታ ብምህላዉ ጥራሕ ኣዩ።

ደቂ ሰባት ውልቃዊ መንነቶም ወይ ኩነታቶም ብዘይገድስ ከም ኩሎም ካልኦት ሰባት ኣብ ከባቢኦም ወይ ኣብቲ ዝነብሩላ ሃገር ዘለዉ ማዕረ ዕድላት ከምዘሎዎም ምስ ዝፈልጡ፤ ናይ ብሓቂ ማዕርነትን ናጽነትን ይስምዖም።  ማዕረ ዕድላት ምስ ዘይህሉ ግና ከምዝተገፍዑን ከምዝተጨቆኑን ኮይኑ ይስምዖም።  ስለዚ ሰባት ብሰንኪ ፍሉይነቶም ኪውገኑ ወይ  ኣድልዎ ኪግበር እንከሎ ነቲ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰሎም ከም ካልኦት ሰባት ብማዕረ ኪቋደስዎ ዝግባእ ዝነበረ ዕድል ምስ ዝንፈጉ ውዒሉ ሓዲሩ ኣንጻር ዓመጽ ተቋውሞ ምልዓሉ ዘይተርፍ ሓቂ እዩ። ስለዚ ኩሉ ሰብ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰሉ ክሕሎ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝተሓለወ እዩ።